01/11/2025
እዚ ሃሁ ፖስተር እዚ ንህጻውንቲ ባዕሎም እንዳተዘናግዑ ክመሃሩ ዝሕግዝ እዩ። ሰለስተ መዝሙራት (ሰሚራ ሰሚራ,ትምህርቲ ትምህርቲ, ምሳና ዝጻወት ) ዝብላ ዝሓዘለ ኾይኑ ፡ ነብሲ ወከፍ ፊደል ምስጠወቑ ብድምጺ ክምህሮም ይኽእል። ብተወሳኺ ምስ ቁጽርታትን ኣስማት እንስሳታትን ዓሚቕ ሌላ ክህልዎም ይገብር። ኣብ ( ፈተና ) ዝብል ምስ ዝጥውቑ ፊደላት ፥ ቁጽርታት፥ ከምኡውን ነገራት ተሓቲቶም እንዳተጻወቱ ብምምላስ ምስ ቋንቋ ኣዲኦም ዘሎዎም ዝምድና የበርኽ ። ደቅኹም ካብ screen ቲቪ ኣሊኹም ቋንቋ ኣዲኦም ክመሃርልኩም እትደልዩ ወለዲ ፥ እንሆ መፍትሒ ኣምጺእናልኩም ኣለና ።