Almeda Textile plc.

Almeda Textile plc. Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Almeda Textile plc., Textile Company, Adwa.

09/10/2025

መተሓሳሰቢ.....................
ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ኣመልኪቱ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ "ኣብ ፋብሪካ ጨርቃ ጨርቂ ኣልመዳ ዓድዋ ዝተመረተ ናይ ፋኖ ዪኒፎርም/ወታደራዊ ክዳውንቲ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ውዒሉ" ዝብል ዝተሰሓሓተ ሓበሬታ ይዘዋወር ከም ዘሎ ተዓዚብና ኣለና! ከምቲ ዝፍለጥ እዚ ናይ ህዝቢ ትካል ዝኾነ ልምዓታዊ ትካል ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ግዳይ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ኵናት ፅንተት ኮይኑ ኮነ ተባሂሉ ዒላማ ተገይሩ ብደብዳብ ነፈርቲ ከይተረፈ ንክዓኑን ንክዝረፍን ኸም እተገበረ ይፍለጥ፡፡ ነዚ ስዒቡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትካልና ዝፈሪ ወይ ዝስራሕ ጨርቂ ዘየለ ምዃኑን ሙሉእ ብሙሉእ ብዝብሃል ደረጃ ብፀላእቲ ምዕናዉን እናተፈለጠ ሽም ትካልና ኣልዒልካ ዝግበር ሽም ምጥፋእን መፀለምታን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተገበረ ዕንወት ኣጠናኺሩ ዘቐፅልን ዳግማይ "ታተ" ኢሉ ንኸይልዓልን ዘግብር ተግባር ስለ ዝኾነ ነዚ ግጉይ ሓበሬታ ዝወዛዕኹም ኣካላት ካብ ግጉይ ተግባርኩም ክትቁጠቡን ዝተሰሓሓተ ሓበሬታ ምዃኑ ተፈሊጡ እርማት ንኽትገብርሉን ነተሓሳስብ፡፡

16/06/2025
24/03/2025

መልእኽቲ ሓዘን !
--------------

ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ፋብረካ ዓለባ ኣልመዳ ኣብ ፋብሪካ ፓርቲክል ቦርድ ማይጨው ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ዕለታዊ ስርሖም ይነጥፉ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ብዝበፅሐ ናይ ሞትን መቑሰልትን ሓደጋን ኣብ ንብረት ብዝበፅሐ ዕንወትን ዝተሰመዐና መሪር ሓዘን ንገልፅ!

ንስድራ ግዳያትን ንኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን እቲ ፋብሪካን ፅንዓት ንምነ፡፡
ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ዓድዋ!

ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣብ ዘሎ ዓለም ለኸ ኤግዚብሽን African Sourcing and Fashion week (ASFW) ይሳተፍ ኣሎ ። Almeda Textile plc....
11/11/2024

ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣብ ዘሎ ዓለም ለኸ ኤግዚብሽን African Sourcing and Fashion week (ASFW) ይሳተፍ ኣሎ ።
Almeda Textile plc. is attending in ASFW International Exhibition in Addiss Abeba which is the largest event in Africa!

ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ኣብ ወረዳ ዓድዋ ጣብያ ቤት ዮሓንስ ብዕለት 25 ጥቅምቲ  2017 ዓ.ም ንስድራ ስውኣት ንምሕጋዝ  ወፍሪ ዓፂድ ኣካይዶም፡፡
05/11/2024

ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ ኣብ ወረዳ ዓድዋ ጣብያ ቤት ዮሓንስ ብዕለት 25 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ንስድራ ስውኣት ንምሕጋዝ ወፍሪ ዓፂድ ኣካይዶም፡፡

ዕላዊ መብርሂ ካብ ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ!
14/10/2024

ዕላዊ መብርሂ ካብ ፋብሪካ ዓለባ ኣልመዳ!

Address

Adwa

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Almeda Textile plc. posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share